Tigrinja

نلعب معا

ናብ ኩዕሶ እግሪ ስታግ ብደሓን ምጹ

ስታግ ኣብ ስታቫርን ከባቢ እትርከብ ናይ ስፕርት ጋንታ ኮይና፣ ክዕሶ እግሪ ፣ ኩዕሶ ኢድን ጂምናስቲክን ተወሃህድ። ኣብዚ
ብዛዕባ ምጽዋት ኩዕሶ እግሪ ኣብ ስታግ ዝምልከት ቁርብ ሓበሬታ ነቕርብ። ዝበዝሕ ካብቲ ኣብዚ ኣስፊርናዮ ዘለና
ንኩዕሶ ኢድን ጂምናስትክንውን ይምልከት ኢዩ።
ኣብ ኖርወይ ቆላዑን መንእሰያትን ኣብ ናይ ስፖርት ክለብ ምእታው ልሙድ ኣብርእሲ ምዃኑ ኣብ ድሕሪ ቐትሪ ፣ ፍሉጥ
ሰዓታት ምስ ቀዋሚ ጋንታ ብጥርኑፍ ስፖርታዊ ልምምድ ወይ ትረኒንግ ይገብሩ። ኣብ ሓንቲ ናይ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ
ምእታው ምስ ካለኦት መላለይን ጽቡቕ ምሕዝነትን መፍጠርን ባይታ ይህብ፣ ከምኡውን ምውስዋስ ኣካላት ንጥዕና፣
ድቃስን ትምህርትን ጽቡቕ ኢዩ።ስታግ ሕብረትን ውልቃዊ ምዕባለ ተሳታፊን ንፍጣር ብዕቱብ ትሰርሕ።
ራኢ
ጋንታ ኩዕሶእግሪ ስታግ ሕብረትን ኩርዓትን ኣብ ስታቫርንን ከባቢኣን ክትፈጥር ኣለዋ።
ጭርሖ
ስታግ ኩዕሶእግሪ ፦ ብሓባር ንጻወት!
ብብሉጽዝጥመታ ኣምራት
ኩርዓት፦ ምትእምማን፦ኩሉ፦ሓጎስ
ኣለማመድቲ ብድልየቶም ብዘይ ክፍሊትዮም ዝሰርሑ፣ እታ ናይ ስፖርትክለፕ ግን ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠናን ኮርስን
ትቅርበሎም። ብዙሓት ጋንታት ካብ ሓሙሽተ ዓመት ጀሚሩ ክሳብ ናይ ልዕሊ ዕድመ ዝጥርንፋ ኣለዋና፣ ከምኡ ከኣ ናይ
ኣዋልድን ኣወዳትን ፈላሊና ነናቶም ጋንታታት ኣለዉና።እቶም ዝነኣሱ/ሳ ሓንሳብ ኣብ ሰሙን ይለማመዱ ፣ ሓደሓደ ግዜ
ድማ ምስ ካለኦት ግጥም ይህልዎም። ካብ 8 ዓመት ጀሚርካ ስሩዕቀጻሊ ጸወታ ይጻወቱ፣ እተኾነ ግን እተን ጋንታታት
ነጥቢ ኣይወሃበንን። ሓንሳብ ኣብ ሶሙን ይጋጠሙ ኣብርእሲቲ ናይ ልምምድ ጸወታ ማለትዩ። እቲ ግጥማት ኣብ
ዝተፈላለዩ ቦታታት ቨስትፎልድ ይኸውን። ኣሰልጠንቲ ጋንታት የቑሙ ፣ እቲ ኣድህቦ ብሓንሳብ ምጽዋትን ምሕጓስንዩ
ብቐንዱ። ጋንታት ክቖማ ከለዋ፣ ነኑፋዓቶም ወይ ሔሕማቖም መሪጽና ኣይኮናን እነቑም። ጋንታት ግጥም ክህልወን ከሎ
መዛሕቲኡ ግዜ ወለዲ ቲፈዞ ኮይኖም ይሪኡ፣ እዚ ኸኣ ምስ ካለኦት ወለዲ ንምልላይ ጽቡቕ ባይታ ይፈጥር። ኣብ
ምግዕዓዝ ቆላዑ ምስ ካለኦት ቆጸራ ብምግባር ፣ ብፌስቡክ ምዃኑ ኢዩ ፣ ብሓሳብ ይዝወሩ። እቶም ቆላዑ ቁርብ ጉብዝ
ምስ በሉ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ግዜ ን ሰሙን ይለማመዱ። ካብ 13 ዓመት ጀሚርካ ፣ ነተን ጋንታታት ብኽእለት
መቓቒልካ ምቕዋም ጋንታት ይጅመር።
ኣብ ግጥም ናይ ኩሎም ቲፌዞ ወይ ደገፍቲ ኮይና ከነዋዓውዕ ናትና ኢልና ንሕዞ። ንዕዉት ስርሒት ነጣቕዕ ንዝፈሸለ
ፈተነ ኣብ ክንዲ ምድሃል ነተባብዕ። ንተጻወቲ መጋጥምትና ይኹን ንዳኛታት ፣ ከምኡውን ንደቂ ጋንታ ኣይንጸርፍን።
ኣብ ግጥም ሕጉስ ሃዋሁ ኢዩ ዝሰፍን።
ከምኡ ኸኣ ገለገለ ጋንታት ኣብቲ ከባቢ ንዝግበር ናይ ዋንጫ ጸወታ ይካፈላ፣ ከምዚ ክኸውን ከሎ ጋንታት ብዙሕ ግጥማት
ኣብ ቀዳመ ሰንበት የካይዳ። ኣብ ስታግ ከም ባህሊ ተጻወቲ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ምስመልኡ ናብ ዕብይ ዝበለ ናይ ዋንጫ
ግጥም ምሕዳር ዘለዎ ማለትዩ ከምዝካፈሉ ንገብር። እዚ ኸኣ ብድልየት ዝግበርዩ እንበር ብድፊእት ኣይኮነን፣ ነዚ ዝምልከት
ጌና ኸሎ ብዙሕ ሓቤሬታ ይወሃብ።
ሓቤረታ ወይውን ዝርርብ ምስ ኣሰልጠንትን እታጋንታን
ኩለን ጋንታት ናይ ፌስቡክ ጉርብ(ጉጅለ) ኣለወን። ናብዚ ጉጅለ ምጽንባርን ኣብኡ ዝግበር ምክትታልን ኣገዳሲ ኢዩ ፣
ምኽንያቱ ብዙሕ ሓቤሬታ ብዛዕባ ልምምዳት፣ ግጥማት፣ ዱግናዳት ማለት ብድልየትካ ዝግበር ማእቶታትን ናይ ሓባር
ምትእኽኻብን ኣብዚ ፌስቡክጉርብ ስለዝወጽእ። ገለ ገለ ሓቤሬታ ኣብ stag.no ክርከብ ይከኣል፣ እቲ ዝበዝሕ
ንነፍሲወከፍ ጋንታ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገርን ግን ኣብ ኣብ ፌስቡክዩ ዝወጽእ።
ናይ ወለዲ ኣኼባ ኣብ ከባቢ ወርሒ ሓሙሽተን ኣብ ቀውዕን (ወርሒ ዓሰርተ ኣቢሉ) ነዳሉ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣኼባ
ምስታፍ ኣገዳሲ ኢዩ፣ ምኽንያቱ ኣብ ከምዚ እቲ ዝግበር ናይ ልምምድ መደባትን ኣሰልጠንቲ ኣብ ምንታይ ከምዘድህቡ
ዝገልጽ ሓቤረታ ስለዝወሃብ።ኣብሪእሲኡ ናይ ወለዲ ኣኼባ መራኸቢን ምስካለኦት ወለዲ ንምልላይ ጥጡሕ ባይታ
ዝፈጥር ሃዋሁ ኢዩ።

VELKOMMEN TIL STAG FOTBALL oversatt til Tigrinja

ክፍሊትን ድሕነትን
ተጻወቲ ክልተ ወጻኢታት ይኸፍሉ። እቲ ሓደ ናይ ኣባልነት ኣብ ስፖርትስካልብ ስታግ ክኸውን ከሎ እቲ ካላኣይ
ንልምምድ ኩዕሶ እግሪ ስታግ እልካ ዝኽፈል ይኸውን። ናይ ኣባልነት 700 ክሮነር ኢዩ። ናይ መለማመዲ ወጻኢታት ግን
ከከም ዕድመቲ ቆልዓ ዝፈላለ ኮይኑ ካብ 1050 ክሳብ 2400 ክሮነር ይበጽሕ። ናይ ኣባልነት ኣብቲ ቐንዲ ማሕበር ነዞም
ዝስዕቡ ይሽፍን፣ ክራይ ክዑሶ ሜዳ፣ መጸገኒን ናይቲ ስፖርታዊ ማሕበር መካየዲ ኢዩ። ናይ መለማመዲ ወጻኢታት ነዞም
ዝስዕቡ ይሽፍን፡ ናይ መላመዲ መሳሪሕታት፣ ናብ ናይ ዋንጫ ዝግበር ጸወታ መመዝገቢን ካሊእ ሓበራዊ ወጻኢታትን
ይኸውን።
ኩሎም ተጻወቲ ከም ኣባላት ስፖርታዊ ክለብ ስታግ ክምዝገቡ ይግደዱ። ናይ ኣባልነትን ናይ መላመዲ ወይ ትረኒንንግ
ወጻኢታት ብምኽፋል እቲ ዝጻወት ብናይ ጋንታ መድሕን ኣቢሉ ድሕነት(ኢንሹራንስ) ኣትዩ ኣሎ። እዚ ኣገዳሲ ኢዩ
ምኽንያቱ ብመድሕን ኣቢሉ እቲ ተጻዋታይ ምስ ዝጉዳእ ወይ ምስዝህሰ ወጻኢታት ይሽፈነሉ። ቤተሰብ ካብ ሓደ ንጡፍ
ቆልዓ ንላዕሊ ዘለዎም ናይ ቤተሰብ ኣባልነት ክኽፍሉ ይምረጽ ስለዝሓስር።
ንዓና ኣብዚ ክለብ ዘለና ዝኾነ ሰብ ብሰንኪ ዋሕዲ ቑጠባ ኩዕሶ ካብ ምጽዋት ከይሕረም ኣገዳሲ ኢዩ። ስለዚዩኸኣ ኣድላዪ
ምስዝኸውን ናይ ኣባልነት ክፍሊት ንምኽፋል ሓገዝ ዝርከበሉ መገዲ ዘለና ። ነዚ ዝምልከት ሕቶ እንተ’ኣለኩም
ንኣሰልጣኒ ናይቲ ጋንታ ወይውን ዮርን ኣንደሸን ተወከሱዎ።
መሳርሕታት
ኣብ ግጥም ክንጻወት ከለና ጻዕዳን ቀጠልያን ዘለዎ ነዊሕ ካልሲን ቀጠልያ ሓጺር ስረን ንወዲ። ማልያታት ብኣሰልጣኒ ኣብ
ነሲወከፍ ግጥም ይዕደል፣ ብድሕሪኡ ይእከብሞ ብሓብር ይሕጸብ። ኣብ ግዜ ልምምድ እቶም ቆላዑ ድልየቶም ናዓኦም
ኣብ ምንቅስቓስ ዝምችእ ወድዮም ክጻወቱ ይኽእሉ።እንታይ ዓይነት መጻወቲ ክዳን ክትወዲ ከምዘለካ ፣ ኣብ ግዜ ቑሪ
ይኹን ኣብ ክረምቲ (ማይ ኣብዝሃርመሉ) ምኽሪ ክትረክብ ምስ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ተዘራረብ። ጫማ ኩዑሶ እግሪ
ጌርካ ክትጻወት እቲ ዝበለጸ ኢዩ ፣ ካሊእ መከላኸሊ በራቒት (ለግሺን) ኣብ ግጥምን ልምምድን ኩሉሰብ ክወዲ ኣገዳሲ
ኢዩ። ተጻዋታይ ብዘይ መከላኸሊ በራቒት (ለግሽን) እንዳተጻወተ ምስዝጉዳእ እቲ መድሕን ኣይሽፍኖን ኢዩ ምኽኒያቱ
ኣዝዩ ሃሳዪ ዝኾነ መስበርቲ እግሪ ከስዕብ ስለዝኽእል ።
ኣብ ስታግ መዓልቲ ምቅይያር ዝበሃል ሕልፍ ሕልፍ ኢልና ነኤንግድን ኢና፣ ኣብ ከምዚ መዓልታት ናይ ዝነኣሶም
መለማመዲ ናይስፖርት ክዳውንቲ ካብ ካለኦት ክትወርስ፣ ንዓኻ ዝነኣሰካ ድማ ንኻለኦት ክኸውን ከተውርስ ትኽእል።
ማእቶት
ወለዲ ኣብ ስታግ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ማእቶት፣ ብነጻ ብድለት ምስራሕ ምኽዋኑ ኢዩ ከበርክቱ ትጽቢት ይግብረሎም።
ብኸምዚ ከኣ ነቲ ቆልዓ ኣብ ትርፊ ግዜኡ ንዝገብሮ ንጥፈታት ብሕስር ዝበለ ንኸውን ይሕግዝ! ሓደ ሓደ ግዜ ወለዲ ናይ
ኩለን ጋንታት ፣ ከም ኣብነት ኣብ ስታግ ናይ ዋንጫ ግጥም ምስእተዳሉ ይሳተፉ። ሓደ ሓደ ግዜ ምጽራይ ሜዳን ካሊእ
ኣድላዪ ስራሓት ብማእቶት መገዲ ዝስራሕ ኣለና። ካሊእ ኣብ ናይ ሜዳ ስታግ ዘላ ንእሽትኦ ዱካን ሓላፍነት ዝወስዱ
ካብ ወለዲተን ጋንታት ሓደ ግዜ ኣብ ሰመስተር ይቀያየሩ። እታ ጋንታ ኣብዚ እተእትዎ ኣታዊ ፣ እታ ጋንታ ንዋጫ ኢላ
ክትገሽ ከላ ዝኸውን ወጻኢታት መሸፈኒ ትጥቀመሉ። ናይ ማእቶት ሓቤረታት ኩሉ ግዜ ኣብ ፌስቡክ ኢይኡ ዝወጽእ።
ማእቶት ኣገዳስኢ ኢዩ፣ መብዛሕቲኡ ከም መተሓዋወስን ምስ ካለኦት ወለዲ ብጽቡቕ ንኽትላለ ይገብር።
ቅሳነት
ኩሎም ዕድመ ኣዳም ዝበጽሑ ምስ ቆላዑን መንእሰያትን ክሳብ 16 ዓመት ዝገብሩ ፣ ዝሰርሑ ዘበሉ ናይ
ፖሊስምስክርወረቐት ናብቲ ክለብ ከረቡ ኣለዎም። እዞም ሕጋጋት ኣብ ምሉእ ኖርወይ ይስራሓሎም። ናይ
ፖሊስምስክርወረቐት ብፖሊስ ዝወሃብ ቃል ኮይኑ ፣ ንቖላዑ ብሕጊ ዘቕጽዕ ነገራት ብምግባር ንዝተፈርዱ ሰባት ፣ ከም
ተጋሰስቲ፣ ተሃራረምቲ ፣ ምስ ቆላዑን መንእሰያትን ናይ ነጻ ስራሕ ንኸይሰርሑ ዘረጋግጽ ኢዩ። እዚ ዝኾነሉ ድማ ደቅና ኣብ
ትርፊግዜኦም ዝገብርዎ ንጥፈታት፣ መታን ክንቀስን ስለዘለና ኢዩ።
ናብ ክለብና ብደሓን ምጹ! ገለሕቶ ምስዝህልዎኩም ተወከሱና።
ስታግ ኩዕሶእግሪ ፦ ብሓባር ንጻወት!